ዑደት ፕረዚደንት ባይደን ናብ ኣፍሪቃ ንጽልዋ ቻይና ክገትኦ’ዶ ይኽእል?

Your browser doesn’t support HTML5

ዑደት ፕረዚደንት ባይደን ንኣፍሪቃ ንጽልዋ ቻይና ክገትኦ’ዶ ይኽእል?

ውሑዳት ኣዋርሕ ካብ ስልጣን ቅድሚ ምውራዱ ናብ ኣንጎላ ዑደት ዝግበር ዘሎ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ “ኣመሪካ ብምሉኣ ኣብ ኣፍሪቃ’ያ ዘላ፡” ክብል ንኣገዳስነት እቲ ዑደት ገሊጹዎ። ሓደ ካብ ምኽንያታት ዑደት ባይደን፡ ንኮሮዲዮ ሎቢዶ ብስፊሕ ንተወዳዳርነት ቻይና ኣብታ ኣህጉር ንምጉዳልን ንኣገደስቲ ማዕድናት መስመር ንምኽፋትን’ዩ። ኣገዳንስነትን ዘላቒ ጽልዋን ዑደት ባይደን ንዘለዎ ትዕዝብቲ ከካፍል ንመምህርን ተመራማሪን ታሪኽ ኤርትራዊ-ካናዳዊ ፕሮፈሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤል ተወኪስናዮ ኣሎና።