ትንታነ ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ክልል ትግራይ(1ይ ክፋል)

  • ገብረ ገብረመድህን

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ነቲ ውድብ ይኹን ነቲ ክልል ኣብ መንቀራቕር ኣእትዩ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ ሻቐሎትን ስኽፍታን ፈጢሩ ይርከብ።