ትንታነ -- ኣብ ጉዳይ ግጭት እስራኤልን ሓማን ጽልውኡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን

Your browser doesn’t support HTML5

ትንታነ- ኣብ ጉዳይ ግጭት እስራኤልን ሓማን ጽልውኡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን

7 ሕዳር 2023 ብመጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝጀመረ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ ህይወት ኣሽሓት ሲቪላውያን ወሲዱ ንሚልዮናት’ውን ኣዘናቢሉ ኣሎ።

ንምዃኑ እዚ ግጭት ብኸመይ’ዩ ክዓርፍን ዘላቒ መፍትሒ ክርከቦ ዝኽእልን፧ እዚ ኲናት'ኸ ንኸባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ድማ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኸመይ ክጸሉ ይኽእል? ኣብዚን ካልእ ተኣሳሰርቲ ጉዳያትን ንምዝታይ ክልተ ተንተንቲ እቲ ከባቢን ናይ ቀረባ ተኸታተልቲን ዓዲምና ኣሎና። ኣጋይሽና ዓብዱራሕማን ሰይድ(ኣቡ-ሃሽም)ን ዘርእሰላሴ ረድኢ ሽከርን ነዚ ዞባ ብቐረባ ዝከታተሉን ኣብኡ ኣተኲሮም ሓያሎ ትንታነ ዝሃቡን’ዮም።