ትንታነ ክልተ ምሁራት ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ትፅቢትን ጠመተን ጉባኤ መበል 13 ህውሓት

  • ገብረ ገብረመድህን

ፅባሕ ረቡዕ ዝጅምር መበል 13 ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኢትዮጵያ ኣብ ፈታኒ እዋን ኣብ እትርከብሉ ዝካየድ ዘሎ ስለዝኾነን ብድሆ ለውጢ ንምምፃእ መንገዲ ስለዝህብን ከም ፅቡቕ ዕድል ይጠቅም እዩ ትብል ዶ/ር ፀጋ ብርሃነ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህርን ተመራማሪትን ኣስትሮ ፊሲክስን ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ዳይረክተር ኢንስቲቱዩት ከባቢያዊ ሓለዋ፣ፆታን ልምዓትን።ዶ/ር ፀጋ ብምውሳኽ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ዝለዓለ ሓላፍነት ክንድቲ ዝግብአን ኣይመፃን ዘለዋ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ህውሓት ክንድቲ ዝድለ ስለዘሰርሓትሉ እዩ ትብል።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደብሩ ብዓል ስልጣን ኢኒስቲቱዩት ምርምር ልምዓት ኢትዮጵያ ክኢላን ብስነ ቁጠባ ናይ PhD ትምህርታ ኣብ ምክትታል ትርከብን ወ/ሮ ሓንሳ ተኽላይ ብወገና እቲ ጉባኤ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጥረ ፅቡቕ ርክብን ብደረጃ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ፈተና ኣብ ግምት ኣእትዩ ክኸይድ ኣለዎ ትብል።ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ሕብረተሰብ ኮይነን ኣብ ኣመራርሓ ግን 10፣15 ሚእታዊ ዘይምብፅሑ ዘተሓሳስብ ስለዝኾነ ካብ መሰረቱ ፀገማት ደቂ ኣንስትዮ ዝፈትሑ ፖሊስታትን ፕሮግራማት ክሕንፀፁ ኣለዎ ትብል።

ክልቲአን ምሁራት ውድብ ህውሓት ምስ እዋኑ ዝተዓፃፀፉ መናእሰይ ናብ መሪሕነት ብምምፃእን ኣብ ቢሮክራሲ ድማ ብቕዓት መሰረት ዝገበረን ኩሉ ብዝኣምኖን ብዝሪኦን መምዘኒ እናተወዳደረ ዝምደበሉ ዕድል ብምፍጣር ፀገም ሰናይ ምሕደራ ንምፍታሕ ዝለዓል ቆላሕታ ክውሃቦ ኣለዎም ኢለን ኣለዋ።

ንምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ትፅቢት ካብ መበል 13 ጉባኤ ህወሓት