ዋሽንግተን —
ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ እስራኤል መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍፃሙ ሓሙሽተ ሰባት ሆስፒታል ምእታዎምን 62 ድማ ምእሳሮምን ፖሊስ'ታ ከተማ ሓቢሩ። ፖሊስ ፀረ ሰማዊያን ናዕበኛታት ድሕሪ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ እስራኤል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ይብል።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ እስራኤል ነቶም ናብ ኣምስተርዳም ተጓዒዞም ዝነበሩ ደገፍቲ ናብ ሃገሮም ብሰላም ንምምላስ ነፈርቲ ልኢኻ ኣላ። ነፈርቲ እስራኤል እቲ ናይ ምምላስ መስርሕ ክሳብ ጽባሕ ቀዳም ክቕጽል ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ሓቢሩ።
ኣብ ካልእ ምዕባለ፡ በቲ ናይ ኣምስተርዳም ጎንጺ ዝተሻቐሉ ሰብ-መዚ እስራኤል ንሎሚ ኣማስያኡ ኣብ መንጎ ክለባት ማካቢ ቴልኣቪቭን ቦሎኛን ኣብ ቦሎኛ ኢጣልያ ተወጢኑ ኣብ ዘሎ ናይ ኵዕሶ ሰኪዕት ጸወታ፡ ዜጋታት እስራኤል ጥንቃቐ ክግብሩን እንተተኽኢሉ ድማ ናብቲ ግጥም ካብ ምጕዓዝ ክቑጠቡን ጸዊዖም ኣለዉ።
መራሕቲ ክልቲኦም ሃገራት ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒኖምዎ ኣለው።