ዋሽንግተን —
ዓለምለኸ ትካል ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኢትዮጵያ ግጭት ኣብ ዝረኣየሉ ከባቢታት ዘሎ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክተብሎ ኣይከኣለትን ክብል መግለጺ ኣውጺኡ።
ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኵናት ኣብ ሕዳር 2022 እንተኣብቅዐ'ኳ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ግን ሰፊሕ ዝኾነ ግጭታት ቀጺሉ'ሎ ዝብለ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሰበ-ስልጣን ደው ከብልዎ ኣይከኣሉን ኢሉ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብቲ መግለጺኡ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ በቲ መሰጋገሪ ፍትሒ ዝብልዎ ፍትሒ ከምጽኡ ቃል እንተኣተው'ኳ ፍትሒ ከምጽኡ ኣይከኣሉን ይብል። ሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ፍትሒ ተነፊግዎም ህይወቶም በቲ ግጭታት ፋሕ ብትን ኣትዩዎ'ሎ ክብል እቲ ተሓላቒ መሰላት ምሕባሩጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ይገልጽ።
መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ቅድሚ ሎሚግፍዕታት ኣይፈጸምኩን ከም ዝብል ዝጠቐሰ ኣምነስቲ ሕጂ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ህጹጽ ስጉምቲ ዝሓትት'ዩ ኢሉ`ሎ።