ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞቶት ግፍዕታት ትፍጽም-ሓዲሽ ሪፖርት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰብ ሓሳቡ ብምግላጹ ዝተእስረ ጥር ዝብል ሰብ የለን ኢሉ`ሎ'

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከም ኣካል ጭፍለቓ ፖሊቲካዊ ተቓውሞ ፡ ብውሕዱ 5000 ኣባላት ብሄረሰብ ኦሮሞ ኣሲሩ ከምዝርከብ ኣምነስቲ ኣብ ሪፖርቱ ኣፍሊጡ`ሎ።

"ናይ ኣሸሓት ሰባት ማእሰርቲ፡ መስቀይቲ፡ ኣስገዳድ መስወርትን ቕትለትን" ዝርከቦ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰል ከምተፈጸመ፡ ነቲ ሪፖርት ዘጽንዐት ክሌር በስተን ገሊጻ`ላ። "ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ብምግማት ጥራሕ ዝእሰሩ`ውን ኣለዉ"

ኣብ ክሊ ኦሮሚያ ክምርመራ ኸለዋ ጾታዊ ዓመጽ ዝፍጸመን ብዙሓት ምዃነን`ውን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ`ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰብ ሓሳቡ ብምግላጹ ዝተእስረ ጥር ዝብል ሰብ የለን ኢሉ`ሎ'

ኣምነስቲ ግን፡ ነቲ ፍጻመ ካብ ምኽሓድ ክምርምርዎ ኢና ንምዕድ፡ እዚ ድማ፡ ዓለም-ለኸ ሕጊ የገድዶም`ዩ ኢሉ`ሎ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል

Your browser doesn’t support HTML5

Amnesty International Reports on Ethiopia human rights record