ምዕራብ ጎጃም- ምቕታል ክልተ መማህራን ራዕዲ ፈጢሩ ምህላው መማህራን'ቲ ከባቢ ይገልጹ

ከተማ ባህርዳር- ፋይል

ኣብ ክልል ኣምሓራ ምዕራብ ጎጃም፣ ቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ክልተ መማህራን ምቅታሎም ፍርሂን ሻቅሎትን ከምዘሕደረሎም መማህራንን ሰራሕተኛታት ኣብያተ ትምህርቲን ይገልጹ ኣለው።

መማህራን ምብራቕ፣ ምዕራብን ሰሜንን ጎጃም ድሕሪ’ቲ ናይ ረቡዕ ቅትለት ንድሕነቶም ሰጊኦም ከምዘለው ይሕብሩ ።

ገለ መማህራን ወሲኾም ብዛዕባ ምኽፋት ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ክልላዊ መንግስቲን ሓይልታት ፋኖን ተራጸምቲ መግለጺታት ይቃልሑ ከምዘለው ይዛረቡ።

ኣመሓዳሪ ምዕራብ ጎጃም ኣቶ የቻለ ይርጋ ንካልኣይ ዓመት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝተዓጸወሉ ሃዋሁ፣ መማህራን ማሃየኦም ዝኽፈሎም እንተኾይኑ ርግጸኛ ኣይኮንኩን ይብሉ። ስም ከይጠቀሱ ብድሕሪ እቲ ቅትለት፣ ብስም ኣምሓራ ዝምሕሉ ዕጡቓት ኣለው ከምዝበሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ፋኖ ኣቶ ስሜነህ ሙላቱ ብወገኖም ብመንጽር እቲ ይቅጽል ዘሎ ውግእ፣ ድሕነት ዝማሃሩ ቆልዑ ውሑስ ምግባር ኣይካኣልን ከምዝበለ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ ባህርዳር ሓቢራ።