ክልል ኣምሓራ፡ ብሰንኪ ግጭት ኣማኢት ኣሽሓት ተመሃሮ ይበዅሩ

ፋይል - ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ

ኣብ በበይኑ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሚሊሻን ፋኖን ብሰንኪ ዘሎ ግጭት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተመሃሮ ናብ ትምህርቲ ክምለሱ ከም ዘይከኣሉ ሓለፍቲ ትምህርቲ እቲ ክልል ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ናይ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ዝዀነ ጌታሁን ፈንተ ንድምጺ ኣመሪካ ብስልኪ ከም ዝሓበሮ ኣብ ጀሚሩ ዘሎ ዓመተ ትምህርቲ ካብቶም ክመጽኡ ተመዝጊቦም ዝነበሩ 710-ሽሕ ተመሃሮ ዛጊት 42-ሽሕ ጥራይ ናብ ቤት ትምህርቲ ምምጻኦም ገሊጹ።

እቲ ሓላፊ ንጉጅለ ፋኖ ንስድራቤታት ንደቆም ናብ ትምህርቲ ከይልእኩ የሰናኽሉ ከም ዘለዉ ይኸስስ። ካብ ዕጡቓት ፋኖ ናይቲ ከባቢ ኣብዚ ጉዳይ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝገብርናዮ ጻዕሪ ኣይሰለጠን። እንተዀነ ኣዛዚ እቲ ጉጅለ ናይ ዞባ ጎንደር ምዃኑ ዝገልጽ ኣንተነህ ዲረስ ግን ንሲቪላውያን ዜጋታት ዒላማ ከም ዘይገብሩ መሊሱ።

ከም ሓበሬታ ሓላፊ ትምህርቲ እቲ ዞባ ካብተን 924 ኣብያተ-ትምህርቲ እተን 264 ብዕጡቓት ተታሒዘን ምህላወን ይገልጽ።

ትካል ህጻናት ኣድሕን (ዩኒሰፍ) ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ልዕሊ 4-ሽሕ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣካዳሚያዊ ዓመተ-ትምህርቲ ዕጹዋት ምንባረን ይሕብር። ብሰንኩ ድማ 4.1 ሚልዮን ዝዀኑ ተመሃሮ ካብ ስሩዕ ትምህርቲ በዂሮም ምንባሮም ጸብጻብ ዩኒሰፍ የመልክት። እዚ ዳሕራይ ዝስማዕ ዘሎ ግን ኣብዚ ሰሙን ብዛዕባ ዝጀመረ ዓመተ-ትምህርቲ’ዩ።