ባህርዳር —
ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ድሕሪ ዳግም ምትዕርራይ ፍሉይ ሓይሊ ስዒቡ ዝተላዕለ ተቓውሞ ኣብ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ዓውድታት ከቢድ ተጽዕኖ ከምዘሕደረን፣ ነቶም ጸገማት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ጻዕሪታት ይካየዱ ምህላዎም ኣመሓዳሪ’ቲ ክልል ዶ/ር ይልቃል ከፋያለ ገሊጾም።
ጸገማት ጸጥታ ኣሻቓሊ እናኾኑ ኣብ ዝመጽሉ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ምክያድ ንዝርከብ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ኣምሓራ ሪፖርት ዘቕረቡ እቶም ኣመሓዳሪ ጸገማት ብዝሃድአ ኣገባብ ክፍታሕ ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ኣባላት ጸጥታን ቅንጸላ ይፍጸሞም ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ባህርዳር መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስ ዝኾኑ ፕሮፈሰር ኤፍሬም ኣሃዱ ብወገኖም ‘ክልላዊ መንግስቲ፣ ነቲ ኣሻቓሊ እናኾነ ይኸይድ ዘሎ ጸገም ጸጥታ’ቲ ክልል ንምቅላል፣ ኩሉ ሓቆፍ ዝርርብ ንክኸፍት ጸዊዖም።