ኣብ ክልል ኣምሓራ ተዛማዲ ሰላም ምስፋኑ ዝገለጸ ናይቲ ክልል መንግስቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ዝተኣወጀ ሰዓታት እቶ እቶ ምምሕያሹ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
እቲ ምምሕያሽ ሰዓታት እቶ እቶ ብዋንነት ኣብ ጎንደር፣ ደብረ ብርሃንን ባህርዳርን ኮይኑ ከከም ኩነታት'ቲ ከባቢታት ዝትግበሩ ምምሕያሻት ብብከባቢኡ ብዝርከቡ ኮማንድ ፖስት ክግለፅ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።
ካብዚ ብተፃራሪ 5 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ በረኸት ከተማ መተህብላ ብዘጋጠመ ፍንጀራ ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊፆም። እቲ መጥቓዕቲ ብድሮን ምፍፃሙ እቶም ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ብዛዕባ እዚ ካብ መንግስቲ መረጋገፂ ይኹን ናይ ኣሉታ ምላሽ ዝተወሃበ የለን።
ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ጥዕና ዝሰርሕ ሓደ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ በዓል ሞያ ሕክምና ናብቲ ማእኸል ጥዕና ካብ ዝመፁ ሓሙሽተ ሰባት ምሟቶም ዘረጋገፀ ክኸውን ከሎ ነበርቲ ግን እቲ ዝወረደ ጉድኣት ካብኡ ኣዚዩ ዝበዝሐ እዩ ክብሉ ይገልፁ።
ሎሚ እውን ቀፂሉ ብዝወዓለ ፀገም ፀጥታ ንዓፂድ ዝበፅሑ ኣእኻል ይቃፀል ከምዘሎ ጠቒሶም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ካልኦት ክልላትን ብሰንኪ ዝቐፀለ ግጭት 7.6 ሚሊዮን ቆልዑ ካብ መኣዲ ትምህርቶም ከምዝቦኸሩ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ድምጺ ኣመሪካ ኣብዚ ንዝተጠቕሰ ኣሃዛትን ብነጻ ምንጪ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።