ባህር-ዳር —
ኣብ ከተማ ባህር-ዳር ንኽልተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰላም ጉባኤ ዝተሳተፉ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ማሕበረሰብ ብሰንኪ ግጭት ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት፣ ምሁራት፣ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ዜጋታትንክፍትሑ ሓቲቶም።
እቶም ተሳተፍቲ ኣብ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ መንግስቲ ንእሱራት ብምሕረትን ብይቕሬታን ምፍትሑ "ንናይቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ተራኦም ክፃወቱ የኽእሎም እዩ’’ ኢሎም።
ኣብ መንጎ ነቲ ዋዕላ ዘዳለወ ናይቲ ክልል መንግስትን ተሳተፍትን እሱራት ንክፍትሑ ተሰማሚዖም እንተኾይኖም ግን ዝተፈለጠ የለን።
ንምንቅስቓስ ብሄረ ኣምሓራ ብምውካል ካብ ክልል ኣምሓራ ተመሪፆም ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾኑ አቶ ኣበበው ደሳለው መንግስቲ ባዕሉ ኣብ ዘዳለዎ ናይ ምኽክር መድረኽ ናይቲ ግጭት ተሳተፍቲ ክፍትሑ ዝሓትት መግለፂ ምውፅኡ ነቶም እሱራት ንምፍታሕ መደብ ከምዘለዎ ዝሕብር እዩ ኢሎም ።