ደሴ —
ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣብ መንጎ ወተሃደራት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ብዝቐጸለ ኵናት፡ ዜጋታት ይሞቱ ከም ዘለዉ ነበርቲ ወረዳ ጣምራ በር ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ዝሓለፈ ቅንያት ጥራሕ 14 ሓረስቶት ከም ዝተቐትሉን፡ ነቲ ቕተለት ዝፈጸሙ ድማ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ምዃኖም`ውን ይገልጹ። ምምሕዳር ወረዳ ጣምራ በር ብወገኑ፡ ብዛዕባ`ቲ ቕትለት መረዳእታ ከም ዘይብሉ ድሕሪ ምጥቃስ ኣብቲ ከባቢ ናይ ጸጥታ ጸገም ከም ዘሎ ግን ኣሚኑ`ሎ።
ኣብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝቐጸለ ዕጥቃዊ ግጭት፡ “ ኮነ ተባሂሉ ዝፍጸም ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣሎ “ ዝበለ ኣባል ባይቶ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣበባው ደሳለው፡ እቲ ኩነታት ዘሻቕል ምዃኑ ተዛሪቡ`ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ መበል 36 ስሩዕ ጉባኤ ባይቶ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ሕቶ ቀሪብሉ ዝነበረ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ “ጃምላዊ ቅትለት ኣይፈጸምናን፡ ዝተወሰነ ጌጋታት ተፈጺሞም እንተኾይኖም ግን ንፈጸምቱ ተሓተቲ ክንገብር ኢና” ኢሉ ኔሩ`ዩ፡