ደሴ —
ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘከራኽር ቦታታት ብህዝበ ውሳነ ንክፍታሕ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ከም ዝፈለጡ፡ ኮሚቴታት መንነት ኣምሓራ ወልቃይትን ራያን ኣፍሊጦም።
ንኣፈጻጽምኡ ብዝምልከት ምንቅስቓሳት ተጀሚሩ ምንባሩ`ውን ጠቒሶም። ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ግን ህዝበ ውሳነ ክግበር ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ንዝብል ሓበረታ ጌጋ`ዩ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሕገመንግስቲ ጥራሕ `ዩ ክፋታሕ ዘለዎ ምባሉ ተጠቒሱ`ሎ።
ናይ ወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሑመራ መንነት ኮሚቴ ኣተሓባባሪ ኣቶ ዋኘው ደሳለኝ ድማ፡ ሕቶታት እቲ ከባቢ ብህዝቢ ውሳነ ክፍታሕ ክልል ትግራይ ኣብ ስምምዕ በጺሑ ኔሩ`ዩ ይብል።
ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ድማ ፈደራል መንግስቲ ብረፈረንደም ይፈታሕ ዝብል መግለጺ ምውጽኡ ኣካል ናይቲ ፍታሕ ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣካል ናይቲ ጸገም ክኸውን ዝወሰነ ይመስል ክብል ነቒፍዎ`ሎ። ብዛዕባ `ዚ ካብ ክልል ኣምሓራ ተወሳኺ ርእይቶ ንምስማዕ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።