ጎንጺ ካብ ሕርሻዊ ንጥፈታቶም ከምዘተዓናቕፎም ሓረስቶት ክልል ኣምሓራ ይሕብሩ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ጉጅለ ፋኖን ብሰንኪ ዝቐፀለ ጎንፂ እዋን ማሕረሶም ከም ዘተዓናቐፎም ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት’ቲ ክልል ዝርከቡ ሓረስቶት ይገልፁ’ለዉ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ዕጡቓት ጉጅለ ፋኖን ዝጀመረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ውን ቐጺሉ ዘሎ ጎንጺ ኣብ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዞባታት ምብራቅን ምዕራብን ጎጃም’ዩ። እዚ ስእነት ፀጥታ ኸኣ ሓረስቶት ማሕረሶም ብዝግባእ ከየካይዱ ይዕንቅፎም ምህላዉ’ዮም ገሊፆም።

ብተወሳኺ እቲ ጎንፂ ኣብ ዝቀፀለለን ቐበሌታት ዞባታት ምብራቅን ምዕራብን ጎጃም ዝርከቡ ሓረስቶት ድኹዒ ከምዘይረኸቡ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ርክብ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣምሳሉ ገባው ብወገኖም ካብ ዝሓለፈ ዓመት ተመኩሮ ብምውሳድ ሎምዘበን ድኹዒ ነቲ ሓረስታይ ክበፅሖ ተገይሩ’ዩ ኢሎም። ግን ብሰንኪ ስእነት ፀጥታ ዘይበፅሖም ከባቢታት ምህላዎም ኣይከወሉን።