ኣል-ሸባብ ሓገዝ ናብ ዝጠመዩ ንክባፃሕ ምቹእ ሃዋሁ ይፍጠር ኢለን ሂለሪይ ክሊንተን

Hilary Clinton

ንሰን ኣብ ዘረበአን “ኣዝዩ ዘሕዝን‘ዩ።ብሕልፊ ኣብ እዋን ረመዳን፣ኣል-ሸባብ ልዕሊ ኩሉ ተቃላዕቲ ንዝኾኑ ህፃናት፣ዲ-ኣነስትዮን ኣደታትን፣ቅድሚ ምህላቆም ናብ ሓገዝ ዝረኽብሉ ከባቢ ንምውፃእ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን ምእጋዱ ዘጉሂ‘ዩ።ኣል-ሸባብ ረድኤት መግቢ ብዘይዕንቅፋት ኣብ ዝቆፃፀሮም ከባቢታት ናብ ተፀበይቲ ንክባፃሕ ንክፈቅድ መፀዋዕታ የቅርብ‘ለኹ” ኢለን።

ንደቡባዊ ሶማልያ ዝቆፃፀር ኣል-ሸባብ ግና፣ኣብ‘ቲ ከባቢ ደርቂ የለን ኢሉ ብዘይካ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ንኩሎም ትካላት ገበርቲ ሰናይ ከልኪሉ‘ሎ።

ሰበ-ስልጣን ዩ-ስ ብወገኖም፣ደርቂ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ወርሒ ኣስታት 30 ሽሕ ቆልዑ ቀቲሉ ክብሉ ከለው፣ሕ/ሃ ብግዲኡ ልዕሊ 6 ሚእቲ ሽሕ ቆልዑ ድማ ብጉድለት ኣመጋግባ ይሳቀዩ‘ለው ይብል።

ኣብ‘ዚ ሰሙን‘ዚ፣ዩ-ስ ኣብ ዘውፀአቶ መግለፂ፣ናብ ፈጠርቲ ራዕዲ ንዋታዊ ሓገዝ ምግባር ክልኩል‘ዩ ዝብል ሕጊ ከምዘሎ ኣይትግብሮን፣ምናልባሽ ዘከፋፍልዎ ሓገዝ ናብ ኢድ ኣል-ሸባብ ዝኣተወ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ድማ ኣይኽሰሱን ከምዝበለት ዝዝከር‘ዩ።

ምስ ምንስቲር ወፃኢ ካናዳ ጆን በይርድ ኮይነን ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃባ ሂለርይ ክልንትን፣ኣል-ሸባብ ካብ ትካላት ረድኤት ገንዘብን ክፍሊትን ይቅበል ከምዝነበረ ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ይፈልጡ‘ዮም ኢለን።

”ሰብኣዊ ሓገዝ ከብርክቱ ካብ ዝተዋፈሩ ትካላት፣ገንዘብ ይቅበሉን ንሰባት ይጨውዩን ከምዝነበሩ ንፈልጥ ኢና።ክሳዕ ክንደይ ፅንኩር ምኻኑ ይርዳኣና‘ዩ።ስለዚ፣ተወሳኺ ፀገም ኣይንደልን። ሰራሕተኛታት ሕ/ሃን ካልኦት ትካላትን ናብ‘ቲ ኣል-ሸባብ ዝቆፃፀሮ ከባቢ ረድኤት ከእትው ድልየት ኣለዎም እንተኾይኑ፣ብመሰረት ሕጊና መቅፃዕቲ ይግበኦም እንተኾይኑ፣ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣይንትግብሮን ኢና” በላ።

ወ/ሮ ክልንትን ኣብ ዘረበአን፣ባዓልቲ ቤት ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምስ ዳይረክተር ትካል ኣድማሳዊ ምዕባለ ዩ-ስ (USAID) ራይ ሻህን ካልኦትን ኣብ‘ዚ ሰሙን‘ዚ ኣብ ኬንያ መገሻ ክፍፅማ‘የን ኢለን።

እቶም ልኡኻት፣እቶም ካብ ሕፅረት መግቢ ሃዲሞም ኣብ ካምፕ ዝኣተው ስደተኛታት ክበፅሑን፣ናይ ሓፂርን ነዊሕን ፍታሕ ክንፅሩን‘ዮም ኢለን ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለርይ ክልንተን።