ኣብ ራያ አላማጣ ብዘጋጠመ ምልውዋጥ ተዂሲ ክልተ ሰባት ቆሲሎም

ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘሰሓሕብ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ዝሓለፈ ረቡዕን ሓሙስን ናይ ተኹሲ ልውውጥ ከም ዝነበረ እንተኾነ ሎሚ ናብ ተዛማዲ ህድኣት ከም ዝተመልሰ ተገሊጹ።

ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረበ ከንቲባ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣላማጣ ኣቶ ሃይሉ ኣበራ፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ክልል ትግራይን ሚልሻታት`ቲ ከባብን ብዝተፈጥረ ግጭት ክልተ ሰባት ቆሲሎም ኣለዉ ኢሉ።

ኣቶ ሃይሉ ኣበራ ብተወሳኺ ሓይልታት ክልል ትግራይ፡ኣብ ራያ ኣላማጣን ከባቢኡ ናብ ዝርከባ ቀበሌታት ሰሊኾም ምእታው መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙን ንክልተ ነበርቲ ከም ዘቑሰሉን ሓቢሩ።

ብዛዕባ`ቲ ክሲ ከንቲባ ኣላማጣ፡ ካብ ክልል ትግራይ ምላሽ ክርከብ ኣይተኻእለን። ካብ ወገን ፈደራል መንግስቲ`ውን ዛጊት ዝተዋህበ ርእይቶ የለን። ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ግን “ነቲ ዘሰሓሕብ ቦታታት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ህዝበ ውሳነ ንኽግበረሉ ምስ ምምሕዳራት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ`ዩ” ኢሉ ኔሩ።

ከንቲባ ኣላማጣ ኣቶ ሃይሉ ኣበራ፡ ካብ ክልል ትግራይ ዝተበገሱ ዕጡቓት ኣብ ኣካላት ምምሕዳር ራያ ኣላማጣን ራያ ባላን ዝኾኑ ኣብ ጨጓራ፡ ላዕላይ ድዩ፡ ኩኩፍቱ ፡ ዶዶታ፡ ማሩ ቀበሌ ከምኡ`ውን ብወገን ጨርጨር ምንቅስቓሳት ክገብሩ ጸኒሖም`ዮም ይብል።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምሁር ሕጊ ኣቶ የማነ ካሳ “እቲ ሕጂ ዝተራእየ ግጭት ኮነ ነቲ ቀጺሉ ዘሎ ውጥረት ምኽንያቱ፡ እታ ሃገር ትምርሓሉ ሕገ-መንግስትን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ስለዘይተኸብረ`ዩ” ዝብል ርእይቶ ሂቡ`ሎ።

ነበርቲ ኣላማጣ ብወገኖም ሎሚ ሰራዊት ፈደራል ኣብቲ ከባቢ ስለዘሎ ተዛማዲ ሰላም ክርአ ክኢሉ ክብሉ ርእይትኦም ንድምጺ ኣመሪካ ኣካፊሎም ኣለዉ።