ምምሕዳር ከተማ አላማጣ ዘዋደዶን ሕቶ መንነት ራያ ብህዝበ ውሳነ ንክውሰን ንምጽዋዕ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝሒ ዘለዎም ነበርቲ'ታ ከተማ ሰልፊ ምክያዶም ነበርቲ ገሊጾም።
ገነት ኣበበ ዝተባሃለት ነባሪት’ታ ከተማ፣ ጊዚያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ስለዘይቆመን ህዝበ ውሳነ ስለዘይተገበረን፣ እቲ ከባቢ ንማሕበራዊን ቁጠባዊን ጸገማት ከምዝተቓለዓን እዚ ድማ ምኽንያት ምውጻእ ናብ’ቲ ሰልፊ ምኳኑን ገሊጻ።
ጊዚያዊ ኣማሓዳሪ'ታ ከተማ አላማጣ ኣቶ ሃይሉ ኣበራ ብወገኑ ምስ ህዝቢ ተደጋጋሚ ምይይጣት ከምዝተገብሩን፣ ጊዚያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዝጣየሽን ህዝበ ውሳነ ከምዝግበርን ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበጽሐ እንተኾነ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ክትግበር ከምዘይተኻኣለን ጠቂሱ።
ሓላፊ ቢሮ ኮምኒኬሽን ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ግና ኣብ ከባቢ ራያ ኣላማጣ፣ ምምሕዳር ጊዚያዊ መሰጋገሪ ምጥያሽ ይኹን ንምትእትታው ዝግበር ተበግሶ፣ ብሕገ መንግስቲ ቅቡል ከምዘይኮነ ገሊጾም።
ኣቶ ረዳኢ ወሲኾም ክልል ትግራይ ኣብ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኣብ ዘይተወከለትሉ እዋን፣ ጉዳይ ክልል ትግራይ ኣልዒልካ ንምዝታይ ምፍታን ተቀባልነት ዘይብሉ፣ ዘይሕገመንግስታዊን ካብ ውዕል ፕሪቶርያ ዝራሓቀን እዩ ኢሎም።
ኣቶ ሃይሉ ኣበራ ግና ዝቀርብ ዘሎ ሕቶ ሕገ መንግስታዊ’ዩ ምባሎም ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ ደሴ ገሊጹ።