መቐለ —
ኣብ ወረዳ ራያ-ኣላማጣ፡ ጥሙጋ ኣብ ዝብሃል ኣከባቢ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምህረት፡ ብዓርቢ ሓደ ቀሺን ምስኡ ዘገልግሉ ሓሙሽተ ተመሃሮን ብዕጡቓት ብዝወረዶም መጥቃዕቲ ምቕታሎም ምምሕዳር ከባቢን ምንጭታት ሕክምናን ገሊጾም። እዚ ኣብ ልዕሊ መእመናን ዝተፈጸመ ቅትለት ንምጽራይ ምምሕዳር ከባቢ ምስ ሰራዊት ፈደራል ተሓባቢሩ ከም ዝሰርሕ ይገልጽ። ዛጊት ግን ነቲ ኣሰቃቒ ቅትለት ፈጺሞም ዝተባህሉ ወገናት’ውን ስሞም ፈልዩ ዝሓበረ ኣካል የሎን።
ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ፈጻሚ ቅትለት ቤት ክርስትያን ጥሙጋ መን’ዩ?