ድሬዳዋ —
ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዝበጽሐ ተንቀሳቃሲ ላዕለዋይ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብዝተፈላለዩ ሰነዳት ዝተታሓዙ 88 ተኸሰስቲ ግብረ-ሽበራ ክሳብ ናይ 20 ዓመታት ዝበጽሕ ማእሰርቲ በይኑ።
እቶም ተኸሰስቲ፣ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ጸጥታን ሰላማዊያን ሰባትን ጉድኣት ኣውሪዶም፣ ልዕሊ 13 ሚልዮን ብር ዝግመት ዝርፋን ዕንወትን ኣስዒቦም፣ መንግስታዊ ሚስጢራት ንኣልሸባብ ኣሕሊፎም ሂቦም ዝብል ክሲ ከምዝቀረበሎም'ውን እቲ ዜና ይሕብር።
ኣብ ሚንስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ሓላፊ ጨንፈር ድሬዳዋ ኣቶ ቃሲም ኣማን ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ካብ መንጎ ኣርባዕተ ተኸሰስቲ እቲ ሓደ መርተዖ ዝበሎ ከምዘቅረበ፣ እቶም ካልኦት ግና ከምዘይካኣሉ ጠቂሱ።
እቲ ተንቃሳቃሲ ቤት ፍርዲ፣ ብዘይካ’ቶም ኣርባዕተ ተኸሰስቲ፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሸውዓተ ተኸሰስቲ’ውን ዝተፈላለየ ብይን ከምዝሃበ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ድሬዳዋ ሓቢሩ።