መውዓዪ ጋዝ? ዝበዝሕ ኣብ ኢድ’ዩ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኤርትራ ብቐጻሊ ንዝረኣ ሕጽረት ጋዝ ንምፍዃስ ብነዳዲን ማይን እትሰርሕ ጋዝ ዘመንጩ መሳርሒ ምስ ዘማዕበለ ኣዱሊስ ሹማይጋሻ መደብ ሳይንስን ቴክኖሎጂን መደብና ኮይኑ'ሎ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ምህዞታት ጸዓት ተገዲሱ ከም ዝሰርሕ ዝገልጽ ኣዱሊስ፡ እታ ኣብ ፈለማ ደረጃ እትርከብ ኣማዕቢሉዋ ዘሎ መውዓዪት፡ ብመጠን ወጻኢታትን ሚዛም ክብደትን ዝሓሸት ምዃኑ’ዩ ይዛረብ።