ንዓበይቲ ኩባንያታት ከም ጉግል፡ ማይክሮሶፍትን ኦፐን ኤይን ዝኣመሰላ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ዝሓቘፈ ዋዕላ ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ኣብ ፓሪስ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ኣሎ። ዕላማ እዚ ወከልቲ ብዙሓት ሃገራት ዝተረኽቡሉ ዋዕላ፡ ንኣርተፊሻላዊ ብልሒ ኣብ ጽላታት ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ባህሊን ኣከባቢ ብዝሓሸ ኣድማዕነት ከም ዝውዕሉ ንምግባር’ዩ ይብል።
“ህልው ምዕባለታት ኣረተፊሻላዊ ብልሒ” ዝተሰምየ ዋዕላ ፓሪስ፡ ብኣላይነት ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑወል ማክሮንን ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ኔርንድራ ሞዲን’ዩ ዝካይድ ዘሎ። እዚ ብዓይነቱን ስፍሓቱን ዝዓበየ ምዃኑ ዝተንግረሉ ዋዕላ፡ ኣብ መንጎ ውልቃውያን ኣፍረይቲን መንግስታውያን ኣካላትን ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ዓውዲ ንዝበለጸ ውጽኢት ንምርካብ ክሕግዝ ተስፋ ይንበሮ።
ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ ኣብዚ ዋዕላ ይሳተፍ ኣሎ። ንምኽትል ፕረዚደንት ቫንስ ፈላሚ ዝዓበየ መድረኽ ምዃኑ ዝተሓበረ ኣጋጣሚ፡ ካብኡ ቀጺሉ ንሰሉስ ኣብ ሙኒክ ጀርመን ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ጉዳያ ዩክሬን’ውን ክሳተፍ ምዃኑ መደብ ሒዙ ኣሎ።
ነዚ ዋዕላ እተእንግድ ዘላ ፈረንሳይ፡ ኣብ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዓቢ ወፍሪ ክትግብር መደብ ሒዛ ኣላ። ዓውዲ ኣርተፊሻላዊ ብሕልፊ ብኣመሪካን ቻይናን ይዕበልል ስለ ዘሎ፡ ኤውሮጳ ዓቢ ወፍሪ ንምግባር ትሕልን።
ፈረንሳይ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ ዓመታት ክሳብ ናይ 111 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ኣብ ጽላት ኣርተፊሻላዊ ብሕልፊ ክትግብር ከም እትደሊ ፕረዚደንት ማክሮን ጠቒሱ።
ቻይና ግን በዚ ዋዕላ ሕጉስቲ ኣይትመስልን። ኣብዚ ዓውዲ ጸብለልታ ከም ዘለዋ እትግለጽ ቻይና፡ ንጽላት ኣርተፊሻላዊ ብልሒን ኣገባብ ኣጠቓቕማኡን ክድርቶ ዝደሊ ኣካል ከም ዘይትጸውር ብመንገዲ ዋሃብ-ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣቢላ ገሊጻ።
ገለ ካብ ፍርያት ቻይና ኣብ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ኣሉታዊ ተራ ኣለዎ ስለ ዝተባህለ፡ ገለ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ዲፕሲክ (DeepSeek) ንዝተሰምየ ውጽኢት ኣብ ኣመሪካ ምቍጽጻር ክግበሮ ጸዊዖም’ዮም። ቻይና ግን ብስም ሃገራዊ ጸጥታ ዝግበር ክልከላ ናጻ ዕዳጋን ውድድርን ኢላ ትምጕት።
ካልኣይቲ ጸዋዒት እዚ ዋዕላ ዝዀነት ህንዲ፡ እቲ ዓውዲ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ብማዕረ ናብ ዝበዝሐ ተጠቃሚ ዝዝርግሓሉ ኣገባብ ክህሉ ትምጉት።
ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ብሰባት ንዝግበር ስራሓት ይትክኦን ሃስያኡ ድማ ዝያዳ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ከም ዘሎን’ዩ ዓለማዊ ትካል ዕዮ ዝገልጽ።
ብሰንኪ ኣርተፊሻላዊ ስራሕ፡ ሓያሎ ስራሓት ብማሺናት ይትካእ እኳ እንተሎ፡ ብሳላ ኣርተፊሻላዊ ስራሕ ግን ካልእ ስራሓት’ውን ይፍጠር ከም ዘሎ ክኢላታት ይገልጹ።
ኣብዚ ዋዕላ ምኽትል መራሕ መንግስቲ ቻይና ዝዀነ ዣንግ ጉኪንግ’ውን ይሳተፍ ኣሎ።
ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ኣብ ቀረባ እዋን ዓመታት ዓቢ ሻቕሎትን ተስፋን ኣሕዲሩ’ዩ። ብሕልፊ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ቻትጂፒቲ (ChatGPT) ድሕሪ ምምጻኡ፡ ንስራሕ ሰባት ክወስዶ’ዩ ዝብል ስክፍታ ኣምጺኡ’ዩ። እንተዀነ፡ ዛጊት ግን ክንድቲ ፈለማ ዝተፈርሖ ኣሻቓሊ ውጽኢት ኣየምጽአን።
እዚ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፡ ንምርምርን ወፍሪን ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝውዕል ኣስታት 2.5 ቢልዮን ዶላር ከተኣኽኻብ መዲቡ ኣሎ።
ሰሉስ ኣብዚ ዋዕላ፡ ካብ ኣስታት 100 ሃገራት ዝተዋጽኦ ፖለቲካውያን መራሕቲ ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር--ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ።