ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ ምርጫ ኣመሪካ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ሰብ-ስርሖ ብልሒ ኣብ ምርጫ ኣመሪካ

ሰብ-ስርሖ ብልሒ(ኣርተፊሻል ብልሒ) ንናይ ኣመሪካዊያን ፖለቲካዊ ህይወት ዝጸልው ኮይኑ ኣሎ። ካብ ምትእኽኻብ ገንዘብ ክሳብ ወፍሪ ንምርጫ ኢድ ኣለዎ።ኣብ ናይ ሎም ዘበን ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ምህዞኣዊ ትሕዝቶ ናይ ምብርካት ተኽእሎ ስለዘለዎ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣመሪካ "ሰብ-ስርሖ ብልሒ፣ ንእምነት መረጽቲ ከዛብዕ ስለዝኽእል ገለ ዳኣ ንግበር ክሳብ ምባል በጺሖም ኣለው።"

ዛጊት ሰብ-ስርሖ ብልሒ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ጥቅሚ ዝዋዓለ ኣብ መባእታዊ ምርጫ ኒው ሃምፕሻይር እዩ። መረጽቲ ድምጺ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝመስል መጸዋዕታ ቀሪቡሎም ነይሩ። ከይትመርጹ! ዝብል ድምጺ።