ሕርሻ ክልል ትግራይ ሎሚ ዓመት ዝሓሸ ዝናብን ዘመናዊ ድኹዒን ከምዝረኸበ ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ሕርሻ ክልል ትግራይ ሎሚ ዓመት ዝሓሸ ዝናብን ዘመናዊ ድኹዒን ከምዝረኸበ ተገሊጹ

ኣብ ክልል ትግራይ ዝሓለፈ ክራማት ዝሓሸ ሽፋን ዝናብ ከምዝተራእየ ሓረስቶት እውን እኹል ዘመናዊ ድኹዒ ከምዝቐረበሎም ካብ ሄክታር ብማእኸላይ 18 ኲንታል ምህርቲ ክርከብ ከምዝኽእል ቢሮ ሕርሻን ሃብቲ ተፈጥሮን እቲ ክልል ገሊፁ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኣለምብርሃን ሃሪፈዮ ንፍርያምነት እቲ ክልል ወራር ዕሰለ ኣንበጣን እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብን ስግኣት ከምዝኾንዎ ድማ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።