ሕርሻ ክልል ትግራይ ሎሚ ዓመት ዝሓሸ ዝናብን ዘመናዊ ድኹዒን ከምዝረኸበ ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ክልል ትግራይ ዝሓለፈ ክራማት ዝሓሸ ሽፋን ዝናብ ከምዝተራእየ ሓረስቶት እውን እኹል ዘመናዊ ድኹዒ ከምዝቐረበሎም ካብ ሄክታር ብማእኸላይ 18 ኲንታል ምህርቲ ክርከብ ከምዝኽእል ቢሮ ሕርሻን ሃብቲ ተፈጥሮን እቲ  ክልል  ገሊፁ። ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኣለምብርሃን ሃሪፈዮ ንፍርያምነት እቲ ክልል ወራር ዕሰለ ኣንበጣን እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብን  ስግኣት  ከምዝኾንዎ ድማ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።