ንከባቢን መሬትን ክልል ትግራይ ድሕሪን ቕድሚ ኲናት ዝጥምት መጽናዕቲ

  • በትረ ስልጣን

Your browser doesn’t support HTML5

ንከባቢን መሬትን ክልል ትግራይ ድሕሪን ቕድሚ ኲናት ዝጥምት መጽናዕቲ

ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ፣ ነቲ ንልዕሊ 40 ዓመታት ዝተደኸመሉ ሕውየትን ልምዓትን ከባቢ ንድሕሪት ከምዝመለሶ፣ ኣብ’ዚ ዓውዲ’ዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ይገልጹ። ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ጌንት ቤልጀምን ዩኒቨርሲቲ መቐለን፣ ብሓባር ኣብ ዘሳለጥዎን ብፎቶግራፍ ዝተደገፈን መጽናዕቲ ትኹረት ዝምልከቶም ኣካላትን መላፍንቲ ወገናትን ከምዝጠልብ’ውን ሓቢሮም ኣለው።

እቲ መጽናዕቲ፣ ቅድመን ድህረን ውግእ ናይ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ሃብቲ ማይ፣ ኣግራብ፣ መሬት ብሕልፊ ፍግረ መሬት ከምኡ'ውን ተጻዋርነት መሬትን ዘተኮረ’ውን እዩ።