ሓረስቶት ትግራይ ዝሐሸ ምህርቲ ምርካቦም ይገልፁ

  • ግርማይ ገብሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ ዝርኸቡ ሓረስቶት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝያዳ ዝሐሸ እቶት ከምዝረኸቡ ገሊፆም። ብሳላ እቲ ኣብ ክረምቲ 2008 ዓ.ም. ዝወቐዐ እኹል ዝናብ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ትግራይ ፅቡቕ ምህርቲ ከምዝርከብ ይእመን። ብፍላይ ኣብ ደጉዓ ተምቤን ጣብያ ዓዲ ኣዝመራ ዝርከቡ ሓረስቶት ዝሓለፈ ዓመት ብሳላ ሓገዝ መንግስቲ ከምዝሓለፍዎ ገሊፆም፤ ሎሚ ዓመት ግን ንባዕሎምን ጥሪቶምን ዝሐሸ ምህርቲ ኸምዝረኸቡ ገሊፆም።