ድሕሪ ዓወት ትራምፕ፡ መራሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት “ቅልጡፍ ምትዕርራይ” ኣጀንዳ ይገብሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ድሕሪ ዓወት ትራምፕ፡ መራሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት “ቅልጡፍ ምትዕርራይ” ኣጀንዳ ይገብሩ

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምርጫ ኣመሪካ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ምስ ፖሊሲ ትራምፕ ንዝኸይድ ኣጀንዳ ንምትዕርራይ ኣብ ቡዳፐስት ሃንጋሪ ትማሊ ሓሙስ ተጋቢኦም።

መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ ንሓድሽ ምሩጽ ፕረዚደንት ትራምፕ ዘለዎም ድጋፍ ገሊጾም’ዮም። እንተዀነ፡ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ብዝኣትዎ ዝነበረ መብጻዕታት መብዛሕትኦም ጥንቁቕ ስጕምቲ ክወስዱን ክመጽእ ንዝኽእል ለውጢ ምትዕርራይ ክግበሩን ኣብ ምድላው ከምዘለው ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር።

ሓደ ካብቲ ሻቕሎት ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ናብ ኤውሮጳ ንዝኣቱ ፍርያት እቲ ደምበ ዝዓበየ ግብሪ ክስልዕ ምዃኑ የእንፍት ብምንባሩ’ዩ።

ጋረት ማርቲን ካብ ኣመሪካን ዩኒቨርስቲ “ትራምፕ መሪሕነት ምስ ሓዘ ካብ ቻይና ናብ ኣመሪካ ንዝኣቱ ንብረት 60% ግብሪ ክስልዕ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ። እዚ ኣብ ከይዲ ንግዲ ዓለም ምዝባዕ ክፈጥር ምዃኑ ንጹር’ዩ። ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረትን እንግሊዝን በዚ ስጕምቲ’ዚ ክህሰያ ምዃነን ኣየጠራጥርን። ኣብ ልዕሊ ካብ ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ናብ ኣመሪካ ንዝኣቱ ንብረት’ውን ተወሳኺ ግብሪ ክህሉ ምዃኑ’ውን ምዝኽኻር የድሊ” ይብል።

እንተዀነ ገለ መራሕቲ ኤውሮጳ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ነበር፡ ምምላስ ትራምፕ ንዝምድና እቲ ደምበ ምስ ኣመሪካ ክሳብ ክንድቲ ዘየፍርሕን ዘይክጸልዎ ከም ዝኽእል ይኣምን። እንተዀነ እቶም መራሕቲ ክመጽእ ንዝኽእል ምምሕዳራዊ ለውጢ ድሉዋት ክዀኑ ዳግመ-ስርርዕ ይገብሩ ኣለዉ።

ካብ ዋዕላ ቡዳፐስት እናተመልሰ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ዝሃበ ፕረዚደንት ቱርኪየ ረጂብ ጠዪብ ኤርዶዋን፡ “መፍትሒ ምስ ዘናዲ ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ንኲናት ዩክሬን ኣብ ሓጺር እዋን ንምውዳኡ ዝከኣል’ዩ፡” ኢሉ። ኤርዶዋን ኣብ ዘረባኡ፡ ኣብ ክንዲ ተወሳኺ ቦምባታትን ኣጽዋራትን ምዕጣቕ፡ ነቲ ግጭት ብዘተን ሰለማዊ መንገዲን መፍትሒ ምርካብ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ’ዩ ኢሉ።

ኣብ እዋን ጎስጓስ ወፍሪ ምርጫ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንዂናት ዩክሬን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክውድኦ ከም ዝኽእል ኣሚቱ ነይሩ። ዝርዝር ናይቲ ክወስዶ ዝኽእል ስጕምቲ ግን ኣብ እዋኑ ኣየቐመጠን። እንተዀነ ነቲ ግጭት ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሑ ከም ዘይጽግሞ’ዩ ተዛሪቡ።

ምስ ዶናልድ ትራምፕ ጽቡቕ ቅርበት ከም ዘለዎ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሓበረ ኤርዶዋን’ውን፡ እንኮላይ ንሃገሩ ዘሸግራ ዘሎ መጥቃዕቲ ኩርዳውያን ምስ ትራምፕ ብምርድዳእ ክፈትሖ ከም ዝኽእል እምነቱ ኣካፊሉ።

ኣብ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤርዶዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ምምሕዳር ባይደን ኣብቲ ዞባ ዝወስዶ ዝነበረን ዘሎን ስጕምታት ብዝያዳ ጎንጺ ዝደፍእ’ዩ፡” ኢሉ። ነቲ ዘይቅኑዕ ዝበሎ ፖሊሲታት ባይደን፡ ከም መፍትሒ ንእስራኤል ዝወሃብ ሓገዝ ኣጽዋር ደው ክብል ተማሕጺኑ። ኤርዶዋን፡ ንትራምፕ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ ዝነበሮ መሪሕነትን ሓይሊን ብምምጓስ፡ ከምቲ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ዝተመባጽዖ ኣብ በበይኑ ወገናት ሰላም ከንግስ ጸዊዑን ተማሕጺኑን።

እንተዀነ፡ ምምራጽ ትራምፕ ልዕሊ ኣብ ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ’ዩ ዝያዳ ንመሻርኽቲ ኣመሪካ ኣሻቒሉ ዘሎ።

ኣብ ዝቐደመ ምምሕዳሩ ምስ ትራምፕ ዝሰርሑ ሰብ-ስልጣን ኣመሪካ፡ ካብ ኪዳን ኔቶ ፈጺሙ ንምውጻእ መደብ ከም ዝነበሮ ቅድሚ ሎሚ ኣመልኪቶም’ዮም።

እንተዀነ ነቲ ስጕምቲ ንምውሳድ ክሳብ ክንደይ ቅሩብነት ኣለዎ ንጹር ኣይኰነን። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮለጅ ሎንደን ዝምህር ጆናታን ሞንተን፡ ንጸላእቱን መሓዝቱን ንኽግምቱን ክሻቐሉን ናጻ ምግዳፍ ሓደ ካብ ብልሓታት ትራምፕ ምዃኑ ይምጉት። እቲ ዓይነት ባህሪ ድማ ተወሳኺ ሓይሊን ንምግማቱ ዘደምም ፖሊሲታትን ንምውሳድ ከም ዘኽእሎ ሞንተን ይኣምን።

ኣብ ዋዕላ ቡዳፐስት ዝተረኽበ ዋና-ጸሓፊ ኪዳን ኔቶ ማርክ ሩተ ግን፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣባላት እቲ ኪዳን ንዝግበርኦ ኣበርክቶ ከዕብያ ምግባረን ንኢዱ።

“ፕረዚደንት እንከሎ፡ ኣባላት ሃገራት ኪዳን ኔቶ ዝገብርኦ ኣበርክቶ ናብ 2% ናይ ጠቕላላ ዓመታዊ እቶተን ክግብራ ድፍኢት ገይሩ’ዩ።”

ኣብቲ ብሓሙስ ልዕሊ 50 መራሕቲ ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ዝተረኽቡሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክግብሮ ዘድሊ ምትዕርራይ ጠቒሱ።

“ንረብሓ ህዝቢ ኣመሪካ ዘቕድም ኣጀንዳ ክግብር’ዩ። እዚ ድማ ምኽኑይ ነጥቢ’ዩ። እቲ ሕቶ ግን ንሕና’ኸ ንረብሓን ኣጀንዳን ኤውሮጳ ዘቐድም መደባት ሰሪዕና ኣሎና ዲና? እዚ ንነብስና እንሓቶ ኢዩ።”

በዚ ኮነ በቲ፡ ንፖለቲካ ኣመሪካን ፖሊስታት ትራምፕን ብቐረባ ዝከታተሉ ተንተንቲ ግን ንዝመጽእ ምምሕዳር ኣርጢብካ ምዝራብን ምግማትን ኣይከኣልን። ንሱ’ዩ ድማ ንዅሉ እንተታት ምድላው ኣድላዪ ዝመስል ይብል ።