ሰልፊ ተቓውሞ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሎሚ ሶኑይ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ሩዋንዳ ኣብ እስራኤል ብምትእኽካብ ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም። ዕላማ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ንዘለው ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ብዘይፍቓዶም ንምጥያስ ዝወሰኖ ፖሊሲ ብምቕዋም እዩ።