ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓመት ሪፖርት እታ ብቐዳምነት ተሰሪዓ ዘላ ጉጅለ ዓሌት ባንቱ ንሓደጋ ዝተቓልዑላ ሱማሊያ እንትኸውን ካልአይቲ ድማ ሱዳን እያ።ኣብ ደቡብ ሱዳንን ዳርፉርን ዝርከቡ ማሕበረሰባት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ምዃኖም እቲ ሪፖርት ይሕብር።
ዓለም ለኸ ተሓላቒ ጉጅለ ውሑዳን ዓመታዊ ፀብፃቡ ትማሊ ሓሙስ ኣውፂኡ።በዚ መሰረት ህዝበን ኣብ ትሕቲ ሓደጋ ካብዝርከበለን እተን ቅድሚት ካብዝስርዓ 10 ሃገራት እተን ሽዱሽተ ኣብ ኣፍሪካ ከምዝርከባ ይገልፅ። ኣብታ ክፍለ ዓለም ወገናዊ ፖሊስታት መንግስታትን ብምኽንያት ተረባሕነት ፀጋታት ዝለዓሉ ምሽማያትን ዝተወሰኑ ዓሌታዊ ጉጅለታትን ማሕበረሰባትን ዒላማ ህውከትን ዕሽሽ ምባልን ከምዝኾኑ እቲ ሪፓርት ይገልፅ።
እቲ ኣብ ለንደን ዝመደብሩ ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዓለም ዘሎ ኩነታት ኣተሓሕዛ ስታስቲካዊ ትነተና ይጥቀም።
ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓመት ሪፖርት እታ ብቐዳምነት ተሰሪዓ ዘላ ጉጅለ ዓሌት ባንቱ ንሓደጋ ዝተቓልዑላ ሱማሊያ እንትኸውን ካልአይቲ ድማ ሱዳን እያ።ኣብ ደቡብ ሱዳንን ዳርፉርን ዝርከቡ ማሕበረሰባት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ምዃኖም እቲ ሪፖርት ይሕብር።
ካብተን ሽመን ተዘርዚሩ ዘሎ ዓሰርተ ሃገራት እተን ናይ መወዳእታ ኣርባዕተ ሃገራት ዲሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ኢትዮጵያ ናይጅሪያን ኣይቨሪኮስትን እየን።