ኣብ ሞሮኮ ዝተረኽበ አሰር ህይወት ንመሰረት ደቂ ሰባት ዝቅይር'ዩ ተባሂሉ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣሰር ህይወት ቅድሚ 66 ሚልዮን ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ዝነበሩ ዳይናሶር ኣብ ሰሜናዊ ሞሮኮ ምርኻቡ ተገሊጹ። ብመሰረት ኣብ ዓጽሚ ኮራርምቲ እቲ ዝተረኽበ አሰር ህይወት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ብዩኒቨርሲቲ ባዝ ብሪጣንያ ቅድሚ ምጽናት ዳይናሶርስ ፍሉያት ዓሌት ዳይናሶር ኣብ ኣፍሪቃ ይነብሩ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ‘ሎ። ዶ/ር ኒክ ሎንግሪክ መምህር ኣብ ዪኒቨርሲቲቲ ባዝ ብሪጣንያ “ ካብ ብጣዕሚ አገዳሲ ዝኾነ ጊዜ ቅድሚ 66 ክሳብ 67 ሚልዮን ዓመታት እዩ። እዚ ድማ ቅድሚ ምጽናት ዘርኢ ናይናሶራት’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝነበሩ ዝነበሩ ዳይናሶራት ጽቡቕ ዝኾነ ምስሊ ኣለና። እንተኾነ ብዛዕባ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከም ኣፍሪቃ ዝአመሰሉ ካልኦት ክፋላት ዓለም ዝነበሩ ዳይናሶር ግን ኣፍልጦ የብልናን። እዚ ናይ መጀመርያ አሰር ህይወት ዳይናሶር ካብ ኣፍሪቃ’ዩ።”