ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቓዕቲ 29 ሰባት ምቕታሉ ተሓቢሩ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቓዕቲ 29 ሰባት ምቕታሉ ተሓቢሩ

ኣብ ደቡባዊ ዞባ ሄልማንድ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቓዕቲ 29 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት 60 ድማ ምቁሳሎም ተገሊጹ።

ብመሰረት ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ወታሃደራትን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ኣፍደገ ኒው ካቡል ዝተባህለ ባንክ ደሞዞም ክቕበሉ ተአኪቦም ኣብ ዝነበርሉ እቲ መጥቓዕቲ ምግጣሙ ይገልጹ።

ሄልማንድ ሓንቲ ካብ ዝዓበየ ግዝኣታት ኣፍጋኒስታን ኮይና ጣሊባን ካብ ዝቆጻጸርዎ ቦታ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ናይ ሎሚ ሓሙስ መጥቓዕቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ፖለቲካ ኩነታት ኣፍጋኒስታን ጸብጻብ ኣብ ዝረኸበሉ ጽባሕ ምኳኑ’ውን ተሓቢሩ።

ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍጋኒስታን ታዲሚቺ ያማማቶ ብወገኑ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼኣ ጉጅለ ጣሊባን ግዝኣቱ የስፋሕፍሕ ምህላው ብምግላጽ ተቃወምቲ ወገናት መስርሕ ሰላም ከካይዱ ጸዊዖም።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ብተደጋጋሚ ብዘጋጥም ዘሎ ግጭት ፕረዝደንት ኣሽራፍ ጋኒ ካብ መሻርኽቲን ተቓወምቲ ፖለቲካን ስልጣኑ ክለቕቅ ጸቕጢ ይገጥሞ’ሎ።