ካብ ክልል ዓፋር ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ትግራይ ርክብ ክልቲኡ ክልላት ተስፋ ከምዝሃቦም ገሊጾም

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ክልል ዓፋር ድሕሪ ዘካየድዎ ዑደት ካብቲ ክልል ወረዳ ኣብዓላ ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ትግራይ ናብ መረበቶም ንክምለሱ ተስፋ ከምዘሕደረሎም ገሊፆም። ኣብ ፀገም ከምዝርከቡ ዝገለፁ እዞም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ብዛዕባ ምምላስ እቶም መራሕቲ ዝበፅሕዎ ስምምዕነት ቀልጢፉ ክትግበር ሓቲቶም።