ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ነታጒ ኣብ ህይወት ሰብ ጉድኣት የውርድ ምህላው ተሓቢሩ

ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተቕበሩን ዝተደርበዩን ነታጕታት፣ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ጉድኣት የውርዱ ከምዘለው ተሓቢሩ።

እቲ የጋጥም ዘሎ ጉድኣት፣ ብመጽናዕቲ ዘይተነጸረ ዋላ’ውን እንተኾነ፣ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝኣተውሎም ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን፣ ብሰንኪ ምንታጉ ነታጕታት ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 30 ከምዝበጽሕን፣ ፎኪስን ከቢድን ጉድኣት ዝወረዶም ድማ ልዕሊ 80 ከምዝኾነ ሰበ ስልጣን’ቲ ከባቢታት ይገልጹ።

ናይ ክረምቲ ወቅቲ ምስ ምኳኑ ተኣሳሲሩ፣ ተቀቢሮም ዝነበሩ ነታጕታት ብውሕጅ ይቃልዑ ስለዘለው፣ ንቆልዑ ብቀሊሉ ክረኽብዎም ከምዝኻኣሉን፣ መጻወቲ እናመሰሎም ከምዝተነኻኽፍዎን ሓደጋ የስዕብ ምህላው ይሕበር ኣሎ።