ኣብ ከተማ ዓድዋ ተጨውያ ደሃያ ተሳኢኑ ዝነበረት መንእሰይ ከምዝሞተት ፖሊስ ኣፍሊጡ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓድዋ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ተጨውያ ዝነበረት መንእሰይ፣ ተቐቲላ ከምዝተረኽበት ፖሊስ ዞባ ማእኸል ትግራይ ገሊፁ፡፡ ሓላፊ ምፅራይ ገበን እቲ ዞባ ኮማንደር ፀጋይ ኣስፈሃ ጓል 16-ዓመት ማህሌት ተኽላይ ኣብ ዝተጨወየትሉ መዓልቲ ከምዝተቐተለት ካብ ተጠርጠርቲ ከምዘረጋገፀን ሎሚ ረቡዕ ድማ ሬሳ ንስድራ ከምዝተወሃበ ሓቢሮም፡፡