ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንመጭወይቲ ዜጋታት ዝምልከት ጸብጻብ ኣውጺኡ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ብናይ መንግስቲ ናይ ጸጥታ ኣካላት ተወሲዶም ዘለዉዎ ቦታ ከይተፈጠን ኣብ ስዉር ቦታ ዝጸንሑ ሰባት ብዝምልከት ሓድሽ ሪፖርት ሎሚ ረቡዕ 23 ጥቅምቲ 2024 ኣውጺኡ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ንኩነታት 55 ሰባት ዝምልከት ዝቐረበ ጥርዓናት ከም ዝተመልከተ ዝገልጽ ኢሰመኮ፡ ካብዚኦም እቶም 44 ካብ ሓደ ወርሒ ክሳብ ትሸዓተ ኣዋርሕ ዝኸውን ጊዜ ኣብ ምዱብ ዘይኮነ መእሰሪ ቦታ ድሕሪ ምጽንሖም ከም ዝተፈትሑ ኣመልኪቱ’ሎ። ካልኦት ሽዱሽተ ድማ ዘለዉዎ ከምዘይፍለጥን ነቲ ኩነታት እዞም ሰባት ብዝምልከት ድማ ምስ ናይ መንግስቲ ናይ ጸጥታን ምምሕዳርን ኣካላት ምላሽ ንምርካብ ዘካየዶ ጻዕሪ ከም ዘይተዓወተ ሓቢሩ’ሎ።

ብተወሳኺ ክሳብ ሕጂ መቕርቦም ዝተኣስረሉ ቦታ ካብ ዘይፍለጡ ሰባት ሓደ ዝኾነ ውልቀሰብ በዓልቲ ቤት ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ካብ ዝተታሕዘሉ ጊዜ ጀሚሩ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘለዎ ቦታ ንምፍላጥ እንተፈተነት’ውን ክተረኽብ ከምዘይከኣለት ትዛረብ።

ብዘይ ፍርዳዊ መስርሕ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ገንዘብ ድሕሪ ምኽፋል ከምዝተፈትሑ ዝገልጹ ገለ ውልቀሰባት ከምዘለው ዝገለጸት ኣብቲ ኮሚሽን ናይ ሰብኣዊ መሰል ክትትልን መርመራን ክፍሊ ዳይሬክተር’ቲ ዞባ ሰላማዊት ግርማይ እቲ ጸገም ኣተሕሳሳቢ ምዃኑን መንግስቲ ዘድልይ ትኹረት ክህቦ ሓቲታ ኣላ።