ተሓለቕቲ ኣካላት ማእሰርቲ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ደው ክብል ይጽውዑ

Your browser doesn’t support HTML5

“ሕጋዊ መንበሪ ወረቐት የብልኩምን” ብዝብል ምኽንያት ኣስታት 60 ዝበጽሑ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ብፖሊስ ምእሳሮም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እዚ ግን ንጉዳይ ስደተኛታት መንበሪ ዝህብ ትካል ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ስራሑ ደው ኣብ ዘበለሉ እዋን’ዩ።