መንገዲ ባቡር አዲስ አበባ ጅቡቲ ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፉት ኮይኑ

Your browser doesn’t support HTML5

መንገዲ ባቡር አዲስ አበባ ጅቡቲ ሎሚ ረቡዕ ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፉት ኮይኑ’ሎ።እዚ መንገዲ ባቡር ነቲ ሸውዓተ መዓልታት ዝወስድ ዝነበረ ጉዕዞ አዲስ አበባ ጅቡቲ ናብ ጉዕዞ ሸውዓተ ሰዓታት ከምዘሕጸሩ ተገሊጹ’ሎ። ኣብቲ ኣብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምረቓ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ነበርቲ’ታ ከተማን ተረኺቦም’ዮም።