ኣባላት ማሕበረሰብ ዲንካ ጎክ ንናይ ኣብየዪ ረፈረንደም ምዘገባ ጀሚሮም

Sudan-Abyei map

ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ተሰሓሕብ ኣብ ዘላ ከባቢ ኣብየዪ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲንካ እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ከባቢ ምስ ሱዳንዶ ደቡብ ሱዳን ትትሓወስ ንምውሳን በይናዊ ናይ ረፈረንደም ድምፂ ምሃብ ከምፅቕፅልሉ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ገለፁ ምዝገባ መረፀቲ ኣብ ሓሙሽተ ምምሕዳራዊ ከባቢታት ኣብየይ ትማሊ ሰንበት ተጀሚሩ’ሎ።ድምፂ ዝወሃበሉ ማዕልቲ እውን ዝቕፅል ቀዳም እዩ።

ናይ ኣቢየይ ግብሪ ሓይሊ ረፈረንደም ኣብየይ ምስ ደቡብ ሱዳን ንኽትኸውን ምስ ዝደልዩ መራሕቲ ዲንካ ጎክ ድሕሪ ምርኻቦም ኣብ ዝዓነወ ሓደ ቤት ትምህርቲ ምዝገባ ምስትጀመረ ሰባት ታሕጓሶም ገሊፆም።

እቲ ምሃብ ድምፂ ካብ ዝቕፅል 27 ጥቅምቲ ክሳብ 29 ጥቅምቲ ኣ/ፈ ክቕፅል እዩ።
ሞኒሉዋክ ኣጋኒ ክምዝገቡ ካብ ዝመፁ ዓሰርተታት ሰባት ሓደ እዩ።ንሱ ኣብቲ ከባቢ ከምዝተወለደን ኣብ 2008 ኣ/ፈ ኣብ መንጎ ሓይልታት ደቡብ ሱዳንን ወታደራት ሱዳንን ከቢድ ውግእ ምስተልዓለ ነቲ ከባቢ ራሕሪሖም ካብ ዝሃደሙ ኣሽሓት ሰባት ሓደ እዩ።ንሓንሳብን ንሓዋሩን ከምዝተመለሰ እውን ይዛረብ።

ኣብዘን ዝቕፅላ ደቒቓታት ስመይ ከምዝግብ እየ መፂአ ምስበል ኣስዒቡ ‘’ናይ ባዕልና መሰላት ንክህልወናን ካብ ዝኾነ ይኹን ሽግራት ነፃ ንክንኸውን ስለዝገብር ኣገዳሲ እዩ ’’ኢሉ።
ክልቲአን ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ነቲ ኣብ ናይ ክልቲአን ዶብ ዝርከብን 10 ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱን ከባቢ ይግብኣኒ ይብላ።