ኣቡነ ማቲያስ መቐለ ኣትዮም፣ ምስ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ግን ኣይተራኸቡን

Your browser doesn’t support HTML5

ብፓትሪያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ኣቡነ ማቲያስ ዝምራሕ ልኡኽ ሎሚ መቐለ ኣትዩ። ዑደት እዚ ጕጅለ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኲናት ክልል ትግራይ ንዘጋጠመ ይቕረታ ድሕሪ ምሕታቱን ብወገን ቤተ ክርስትያን ትግራይ ኣወንታዊ ምላሽ ምስ ተነፍጎን’ዩ።