ዋሽንግተን —
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንክልተ መዓልታት ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሚንስተራት ፋይናንስ ሃገራት ጉጅለ-20፡ ገለ ካብ ቀንዲ ሃገራት ከምዘይተሳተፋ ሮይተርስ ሓቢሩ። ካልኦት ድማ ምስ ኣካታዒ ዛዕባ ክሊማ፡ ልቓሕን ዘይ-ምዕሩይነትን ብዝተሓሓዝ ኣብቲ ኣኼባ ኣይተሳተፉን።
ኣብቲ ኣብ ቁጠባዊን ብድሆታት ንምዝታይ ዝተዳለወ ኣኼባ ሚኒስተራት ፋይናንስ ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ጃፓን፡ ህንዲ፡ በዓልመዚ ቁጠባዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳን ካናዳን ኣይተረኸቡን። ብኵራት እዞም ሰብ-መዚ ድማ ነቲ ትሑት ዕድል ስምምዕ ዝነበሮ ዕድል ዝያዳ ኣጽቢብዎ’ሎ።
ገለ ተንተንቲ ዘይምስታፍ እተን ቀንዲ ሃገራት ንኣገዳስነት እቲ ጉጅለ ኣብ ሕቶ ዘእቱ’ዩ ክብሉ እንከለዉ ካልኦት ድማ ብዘይተሳትፎ ኣመሪካ ንምቕጻል ጽቡቕ ዕድል’ዩ ይብሉ።