ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵይ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ቴለፎን ዝርርብ፡ ኣመሪካ ብኹነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ስእነት ጸጥታ ከቢድ ስክፍታ ከም ዘለዋ ብንሊከን ሓቢሩ።
ብሊንከንን ኣቢይን ብምኽንያት ካልኣይ ዓመቱ ብ2 ሕዳር ዘቑጸረ ስምምዕ ንዘላቒ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ’ዮም ነዚ ዝርርብ ኣካዪዶም።
ኣብቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢብስም ቤት ጽሕፈት ኣንቶኒ ብሊንከን ዝወጽአ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ እቲ ኣመሪካዊ በዓል-ስልጣን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርአ ዘሎ ቀጻሊ ጎንጺ ከም ዘተሓሳሰቦ ብምጥቃስ፡ ኣብ በበይኑ ወገናት እታ ሃገር ንዝርአ ዘሎ ጎንጽታት ብሰላማዊን መገዲን ዘተን ክዓርፍ ጸዊዑ።
ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ዞባዊ ዘይምርግጋእን ተርእዮታት ምትፍናንን’ውን ምዝርራቦም ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማት ሚለር ሓቢሩ።
ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ዕጡቓት ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን ብዝተራእየ ምትፍናን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሚያዝያ 2023 ኣትሒዙ ብረት ናይ ሚሊሻ ዳግመ-ስርርዕ መምርሒ ድሕሪ ምውራዱ፡ ክልል ኣምሓራ ኣብ ቀጻሊ ጎንጺ’ዩ ጸኒሑ። ካብ ነሓሰ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍሉይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ’ዩ። ገደብ ግዜ እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ደኣ የብቅዕ እምበር፡ እቲ ጎንጺ ግን ገና ኣይሃድአን።