አቦቦ ዝተባህለ ዓብይ ዕዳጋ ከተማ ኣቢጃን ባርዕ ሓዊ ምቅጻሉ ተሓቢሩ

Your browser doesn’t support HTML5

አቦቦ ዝተባህለ ዓብይ ዕዳጋ ከተማ ኣቢጃን ባርዕ ሓዊ ምልዓሉ ተሓቢሩ

ኣብቲ ኣብ ዋና ከተማ ኣይቨሪኮስት አቢጃን ዝርከብ ዕዳጋ ዘጋጠመ ባርዕ ክሳብ ሕጂ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ እንተተገልጸ እቲ ባርዕ ካብ ትማሊ ሰንበት ምሸት ክሳብ ሎሚ ሶኑይ ንግሆ ቀጺሉ ምውዓሉ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ገሊጹ።

እቲ ባርዕ ሓዊ ንዋና ክፍሊ እቲ ዕዳጋ ምዕናውን ጠንቂ እቲ ባርዕ ንምፍላጥ ምርመራ ይካየድ ምህላው ፖሊስ እታ ከተማ ሓቢሮም አለው።

መጥፋዕቲ ሓዊ እታ ከተማ ነቲ ሓዊ ንምጥፋእ ነዊሕ ጊዜ ከምዝወሰደሎምን ነበርቲ እቲ ከባቢ’ውን ኣብ ምጥፋእ’ቲ ሓዊ ከምዝተሓባበሩ ተገሊጹ’ሎ።

ዕዳጋ አቦቦ መግቢ፡ ባህላዊ ክዳውንቲ፡ ስርሓት ኢደ ጥበብብን ካልኦት ኣቑሑት ዝሽየጠሉ ዓብይ ዕዳጋ ምንባሩ ይግለጽ።