ኣበበ ገላው፡"ናጽነት ንኢትዮጵያ" እናበለ ንመደረ ፕረሲደንት ኦባማ ኣተዓናቒፉ

አበበ ገላው: ንመደረ ኣቶ መለስ ዜናዊ እናኣቋረጸ


ኣብ ሳንሆዜ ካሊፎርንያ`ዩ ኔሩ። ፕረሲደንት ኦባማ ዝተረኸብሉ ገንዘብ ናይ ምትእኽኻብ በዓል`ዩ ኔሩ።

ናብ`ቲ በዓል $1000 ዶላር ብምኽፋል ክኣቱ ዕድል ዝረኸበ ጋዜጠኛ ኣበበ ገላው፡ ኣብ ከባቢ ምውዳእ መደረ ፕረሲደንት ኦባማ፡ "ናጽነት ንኢትዮጵያ" እናበለ ኣቋሪጺዎም። ንሶም ድማ "ምሳኻ እሰማማዕ`የ፡ ሓንሳብ ተዓገሰኒ፡ ድሓር ዘይንዘራረብ" ዝብል ምላሽ ሂቦሞ።
ድሕሪኡ ንፕረሲደንት ኦባማ ከምዝረኸቦምን ደብዳበ ከምዘረከቦምን ንቪኦኤ ገሊጹ`ሎ።

ቅድሚ ሎሚ`ውን ኣብ`ዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንመደረ ቀ/ሚ ኢት/ያ ዝነበሩ መለስ ዜናዊ ከምዘቋረጸ ይፍለጥ።

ንምዃኑ ብኸመይ ናብቲ ፕረሲደንት ኦባማ ዝተረኸብሉ ኣዳራሽ ክኣቱ ኽኢሉ?

ምስ ኣበበ ገላው ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ተተርጉሙ`ሎ።

Your browser doesn’t support HTML5

Abebe-Gelaw Heckles Obama