ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ንፕሮግራም ቋንቋ ትግርኛ ምቁራፁ ሰብ-ሞያ ቋንቋ ይቃወሙ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ንፕሮግራም ቋንቋ ትግርኛ ምቁራፁ ሰብ-ሞያ ቋንቋ ይቃወሙ

ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ነቲ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ክህቦ ዝፀነሐ ፕሮግራም ቋንቋ ትግርኛ ምቁራፁ ግቡእ ኣይኮነን ክብሉ ሰብ-ሞያ ቋንቋን ስነፅሑፍን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተቓዊሞም፡፡

ቶም ሰብ-ሞያ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብዝሃቡዎ ርእይቶ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ውሳነ ነቲ ኣብ ባህሊ፣ ቋንቋን ስነ-ቃልን ህዝቢ ክልል ትግራይ ዝግበር ምርምር ከምዝሃስዮ ገሊፆም፡፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብወገኑ ንፕሮግራም ቋንቋ ትግርኛ ከቋርፆ ዝወሰነ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ተማሃሮ ስለዘይነበሩዎ እዩ ይብል፡፡