ርእይቶ ተወላዶ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጉዳይ ፍልልያት ህወሓት

Your browser doesn’t support HTML5

ርእይቶ ተወላዶ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጉዳይ ፍልልያት ህወሓት

ተወላዶ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ “ኣብ ሞንጎ መሪሕነት ህወሓት ዘሎ ኣፈላላይ ደማዊ ግጭት ከየስዕብ የሻቕለና” ይብሉ።

እቲ ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓት እናተጋደደ ይኸይድ ዘሎ ኣፈላላይን ውሽጣዊ ፍሕፍሕን፣ ንህዝቢ ክልል ትግራይ ሰላም ከምዘስኣኖ ተጋሩ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፆም። ሓደ ሓደ ነበርቲ እታ ከተማ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብዝሃቡዎ ርእይቶ እቲ ኩነታት በብጊዜኡ እናኸፈአ ይኸይድ ብምህላው፣ ናብ ደማዊ ግጭት ከየምርሕ እውን ስግኣት ኣለና ኢሎም። ዝምልከቶም ኣካላት እዚ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ኣብ ልዕሊ እቶም ፖለቲከኛታት ፀቕጢ ክገብሩ ድማ ፀዊዖም።