80 ዘይሕጋዊያን ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ አብ ሰሜናዊ ሶማል ተረኺባ

ፋይል

80 ኢትዮጵያዊያን ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ዝጸዓነት ንእሽተይ ጀልባ ኣብ ወሰን ባሕሪ ሰሜናዊ ሶማል ትማሊ ምሸት ከምዝተረኸበት ንርእሳ ሪፓብሊክ ሶማሊ ላንድ ኢላ ናይ እትጽውዕ ግዝኣት ሰበስልጣን ገሊጾም። እቶም ስደተኛታት ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓደን ንምስጋር ይፍትኑ ከምዝነበሩ እውን ተሓቢሩ’ሎ።

ዋና ኣመሓዳሪ ሶማሊናንድ ሳናግ ኣሕመድ ዓብዲ ፋላይ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሓይልታት ባሕሪ ሶማሊላንድ ኣብ እዋን እቲ ጉዕዞ ብጥምየትን ጽምእ ማይን ዝሞቱ ሬሳታት ሓዊሱ 80 ሰባት ዝጸዓነት ጀልባ ከምዝረኸቡ ገሊጾም ኣለው።

ንሶም ብተወሳኺ ከምዚ ኢሎም።

‘ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ከምዝነገሩና ካብ ከተማ ቦሳሶ ምስ ዝተላዕሉ እታ ጀልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ተሰይራ።ኣብታ ጀልባ ሸውዓት ሬሳታት ረኺብና ኣለና።ካልኦት ሰለስተ ሰባት ድማ ካብ ባሕሪ ምስወጹ ሞይቶም።10 ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ 72 ሰባት ኣብ ኢድና ኣለው።ኩነታቶም ሕማቕ እዩ። ‘

ነቶም ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብኮንትሮባንድ የስግሩዎም ነይሮም ዝተባሃሉ ሰለስተ ሶማሊያዊያን ኣብቲ እዋን ከምዝተትሓዙ ወሲኾም ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

Your browser doesn’t support HTML5

80 ዘይሕጋዊያን ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ አብ ሰሜናዊ ሶማል ተረኺባ