ሶርያ ንዝተፈጸሙ ቅትለትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ፍትሒ ትደሊ

Your browser doesn’t support HTML5

ሶርያ ንዝተፈጸሙ ቅትለትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ፍትሒ ትደሊ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ወሰና ወሰን ማያት ሶሪያ ብጅምላ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም። ነበርቲ ሰፊሕ ፃውዒት እንተቐሪቡ ናይታ ሃገር ሓድሽ መንግስቲ ፍትሒ ከረጋግፅ ዕድል ክህቦ ይኽእል እዩ ይብሉ። ተንተንቲ ብወገኖም ናይታ ሃገር ሰብኣዊ ቅልውላው ንዝቐፀለ ዘይምርግጋእ የጋድዶ ኣሎ ይብሉ።

ባስማን ማህና ዓርቢ ንጉሆ ዕጡቓት ንመንበሪ ገዝኡ ክወርዎ ከለው ምስ ክልተ ደቁ ኣብ ውሽጢ ገዝኡ ከም ዝነበረን ንገዝኡ ገዲፉ ከምዘይወፅእ ምስሓበሮም ናብ ገዛ ኣትዮም ንወዲ ሓትንኡን ንክልተ ካልኦት ኣባላት ስድርኡን ከም ዝቐተሉዎም ይገልፅ። "ገዛና ብምውራር ከም ዝስይፉና ኣፈራሪሆምና። ገንዘብ: መካይን ኩሉ ነገር ዘሪፎምና’’ ይብል።

ዝሓለፈ ሰሙንን ቀዳመ ሰንበትን ኣብ ወሰና ወሰን ማያት ሶሪያ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም። ገለ ብዝሒ ዝተቐተሉ 1,400 ሰባት የብፅሕዎ።

ተንተንቲ ዝበዝሓ እቲ ቕትለት ኣብ ታሕሳስ ዝወደቐ ምልካዊ ስርዓት ባሻር ኣል-ኣሳድ ንዝፈፀሞ በደል ሕነ ናይ ምፍዳይ ተግባራት እዮም ይብሉ።

ብዙሓት ግዳያት ኣባላት ኣላዊት ተባሂሉ ዝፅዋዕ ሃይማኖታዊ ጉጅለ መራሕቲ ነበር ዝወደቐ ስርዓት እዮም። እቶም ግዳያት ናይ ግድን በደልቲ ነይሮም ክብሃል ግን ኣይክእልን። ተንተንቲ ከም ዝበሉዎ ጀመርቲ ናይቲ ውግእ ጃምላዊ ቕትለት ዝፈፀሙ ደገፍቲ ኣሳድ እዮም።

ቻርለስ ሊስተር ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደብሩ ማእኸል ምርምር ኢንስቲትዩት ማእኸላይ ምብራቕ ሓላፊ ተበግሶታት ሶሪያ እዩ። ንሱ እዚ ኹሉ ሕማቕ ስምዒታትን ባህሪን ንክልዓዓል ክንድ'ዚ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ምውሳዱ ዝገርም እዩ ይብል።

ናይ ኣላዊት ሓዊሱ መራሕቲ ሒደት ቁፅሪ ዘለዎም ወገናት መሰጋገሪ መንግስቲ ፍትሒ ከረጋግፀሎም ክፅውዑ ፀኒሖም ኣለው።

መጥቓዕትታት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብሩሲያ ኣብ ዝውነን መደብር ተሓቢኦም ይርከቡ። ሩሲያ ከም መሻርኽቲ እቲ ዝወደቐ ስርዓት ብብዙሓት ኣላዊት ከም መድሕን እያ ትርአ።

ሊስተር ኣብ ሶሪያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እናኸፍአ ከምዝኸይድን ሰፊሕ ድኽነት ነቲ ስእነት ፀጥታ እውን የጋድዶ ከም ዘሎን ይገልፅ።

ሊስተር ወሲኹ መንግስቲ ነታ ሃገር ከረጋግእ ዘኽእል ደሞዝ ክኸፍልን ሰብኣዊ ረድኤት ከቕርብን ምእንታን ዓለምለኸ ቁጠባዊ እገዳታት ክልዓል ኣለዎ ይብል ።

ግዚያዊ ፕረዚደንት ሶሪያ ኣሕመድ ኣል-ሻራ መንግስቱ ንገሊኦም ደገፍቱ ሓዊሱ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተፈፀመ ዕግርግር ንዝተሳተፉ መቕጻዕቲ ከምዝህብ ሓቢሩ ኣሎ።