ግዜያዊ ምምሕዳር ንሓገዝ ፈደራላዊ መንግስቲ ይጽውዕ

ስእሊ ፋይል -- ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ

ብሓገዝ ወታሃደራውያን ኣዘዘቲ ኣብ በበይኑ ከተማታት ትግራይ ብመሪሕነት ህወሓት ንዝተሸሙ ኣባላት ምቕማጥ ንስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ዝጥሕስ’ዩ ዝበለ ግዜያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ፈደራል ስቕ ኢሉ ኣብ ክንዲ ዝዕዘብ ነቲ ጉዳይ ክፈትሖ ሎሚ ኣብ ወጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ከም በዓል ከተማ ዓዲጉድም ዝኣመሰላ ስፍራታት ብዝተራእየ ጎንጺ፡ ንወታሃደራዊ መምርሒ ዝተቓወሙ ብጥይት ዝሓወሰ ጎነጽ ኣብ ዝተመለሰሎም እዋን’ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ውድብ ህወሓት ሎሚ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ገለ ኣባላት ኣመራርሓ ግዜያዊ ምምሕዳር ተልእኾኦም ረሲዖም ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣሕሊፎም ይህቡ ኣለዉ፡” ክብል ነቲ ጻውዒት ነጺጉዎ ኣሎ። መግለጺ ህወሓት፡ “እቲ ዝካየድ ዘሎ ንሕገ-መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘኽብርን ንስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ዘይጥሕስን’ዩ፡” ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶን ንምስማዕ መላግቦ ሰዓቡ

Your browser doesn’t support HTML5

ግዜያዊ ምምሕዳር ንሓገዝ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ይጽውዕ