ኣብ ዘ-ሄግ ብዝርከብ ዓለማዊ መጋብኣያ ገበን (ICC) ብ”ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት” ክድለ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ፊሊፕነስ ነበር ሮድሪጎ ዱተርተ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ማኒላ ፊሊፒነስ ብሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ተቐዪዱ።
ዱተርተ ድሒሩ ብነፋሪት ተሰቒሉ ንማእሰርቲ ንዘ-ሄግ ኣምሪሑ ኣሎ።
ንፊሊፕነስ ካብ 2016 ክሳብ 2022 ዝመርሐ ዱተርተ ኣብታ ሃገር ብዘካይዶ ዝነበረ ወፍሪ ኣንጻር ሓሽሽ ብኣልማማን ብዘይ ዝዀነ ሕጋዊ መስርሕ ፍርዲን ካብ 12--ሽሕ ክሳብ 30-ሽሕ ዝበጽሑ ዜጋታት ምቕታሉ ዓለማዊ መጋብኣያ ገበን ይኸሰስ። ብሓያሎ ተጣበቕቲ ትካላት ኣቐዲሙ ከንቲባ ከተማ ማኒላ ድሒሩ ድማ ፕረዚደንት ድሕሪ ምዃኑ ነቕፌታ ዝወርዶ ዝነበረ ዱተርተ፡ በቲ ንሱ ዘምጽኦ ቅልጡፍ ፍታሕ ግን ኣብ ዜጋታት እታ ሃገር ዓቢ ተቐባልነት’ዩ ነይሩዎ።
ምኽትል ፕረዚደንት ፊሊፒነስ ጓሉ ሳራ ዱተርተ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፋ፡ ኣቦኣ ግቡእ መስርሕ ፍርዲ ከም ዘይረኸበ ብምግላጽ ነቲ ናብ ዘ-ሄግ ምግዓዙ ተቓዊማ።